እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ቀጥታ, ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ፈጢርዎ ዘሎ ሻቕሎትን ዝቐርብ ጻውዒትን
ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትማሊ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት‘’ኣይዕወትን’ዩ’’ ብምባል ከም ኣካል ናይቲ ብጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሃገር ዘይምርግጋእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።
ኢማራት ንህወሓት ብምዅናን ንኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ
ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓርቢ ምሸት ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ።
ኤርትራ ኣንጻር ኬንያ፡ ናይ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ገፊሕ ዓወት ይድገምዶ ይኸውን?
ኤርትራ ነቲ ናይ 2019 ኣብ ልዕሊ ኬንያ ዘመዝገበቶ ኣሰንባዲ ገፊሕ ዓወት ክትደግሞ ድያ፡ ወይስ ኬንያ ኣብ ሜዳኣ ሕነኣ ክትፈዲ ? ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሎሚ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ናይሮቢ ወሳኒ ፈተነ ይጽበያ ኣሎ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ
ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሸውዓተ ቈልዑ ዝርከብዎም 13 ሰላማውያን ሰባት ምቝሳሎም ዝገለጸ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እቲ መጥቃዕቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዛዕባ ምሕዝነት ንህላወ እንታይ ይብል?
ኣዛዚ ናይቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈልዩ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ኣባል ዝዀነሉ ጥምረት ጕጅለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ቅዋሙ ገሊጹ።
ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?
ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ፡ ግጭት ኣብ ዝሰፍሓሉ በረራ ላሊበላን ኣገልግሎት ተሌኮም ትግራይን ተቛሪጹ
እቲ ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይ-ዓፈር፡ ትግራይ-ኣምሓራ ብ23 መስከረም ዝተባርዐ ሓድሽ ግጭት፡ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ናብታ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ዝግበር በረራታት ከም ዝተቛረጸ ሮይተርስ ንሓያሎ ዲፕሎማስያውያን፣ ከባብያውያንን ዞባውያንን ምንጭታት ተወኪሱ ዝኣከቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።
ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ መንበሪ ገዛኡ ከም ዝተወስደ ቤተሰቡ ኣረጋጊጾም
መንበሪ ገዛኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ትግራይ ተወሲዱ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ቤተሰቡ ገሊጾም።
ኢትዮጵያ 'ንደጋዊ ኢድ ኣእታውነት' ተዓጊሳ ከምዝፀንሐት ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሰ ተዛሪቡ
ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ፡ ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ተራ ኢትዮጵያ ኣብ ዘባዊ ምርግጋዕ ኣጉሊሁ ተዛሪቡ።
ፖለቲከኛታት ጃዋርን ልደቱን ብዛዕባ 'ኪዳን ንህልውና' እንታይ ይብሉ?
ኣቶ ልደቱ ኣያሌውን ኣቶ ጃዋር መሓመድን ብዛዕባ እቲ ብሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝቘመ ጸረ መንግስቲ ምሕዝነት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።
ኣንጻር ኤርትራ ዝገጥሙ ተጻወትቲ ኬንያ ስለምንታይ ካብ ልምምድ በዂሮም?
ቀዳም ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ቀዳማይ እግሪ ንመጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ጸወታ ተሰሪዕሎም ዘሎ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘካየድዎ ጸወታታት መብጽዓ ንዝተኣተወሎም ኣበል ኣይተኸፈልናን ብምባል ካብ ልምምድ ከምዝቦኰሩ ማዕከናት ዜና ኬንያ ኣቓሊሐን። ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ናብቲ ኣብ 2027 ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብሓባር ዘአንግደኦ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምሕላፍ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒን ኬንያን'ዩ በጺሕዋ ዘሎ።
ኤርትራ፡ ማዕከን ልምዓት ኣፍሪቃ ንኣገልግሎት ማይን ጽሬትን ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ክሕግዝ'ዩ
ቦርድ ዳይረክተራት ማዕከን ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ፡ ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ንምምሕያሽ ዝውዕል ናይ 9.82 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ
ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ። ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ሞያውያን፡ ነበርትን ሰነዳትን ተወኪሱ'ሎ፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018
ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን ምዃኑ እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሓኡ ስለዝቐየሮ ንግዚኡ ተኾሊፉ ኣሎ።
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓያሎ ሓይልታት ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጥምረታት ብምፍጣር ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ነታ ሃገር ብሓድሽ መልክዕ ዘዋቐራን ንነዊሕ ግዜ ዘመሓደረን ኢህወዴግ፡ ከምኡ’ውን ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ደገፍ ብዙሓት ረኺቡ ዝነበረ ቅንጅት ብቐንዱ ዝጥቀሱ እዮም። እዞምን ካልኦት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእዩ ጥምረታትን ስለምንታይ ተመስሪቶም? እንታይከ ኣፍርዮም? መፈጸምትኦምከ እንታይ ኰይኑ?
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?
እዚ ዕጡቓት ኣብታ ዋልጋ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ናይቲ ወረዳ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ፍርሕን ጃምላዊ ምምዝባልን ፈጢሩ ኣሎ።
ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ወሳኒ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንሪያድ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስትራተጅያውን ቍጠባውን ፈተና ኣእትይዋ ይርከብ።
ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን'ዮም፡ ሕቶኦምከ?
እቲ ድሕሪ 25 ዓመት ገና ዘይተመለሰ ቀንዲ ሕቶ፡ "እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ፣ እንታይ ኰይኖም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን?" ዝብል እዩ። ቢቢሲ እውን ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።
11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?
ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት'ዚ ኣብ ምውጻእ ብግሁዶ ፈሺላ። እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።
ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን
እቲ ሓዊ ነዳዲ ንዝጸዓና ቦጣት ጥራይ ኣይኰነን ኣዕንዩ - ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ መራሕቲ መኻይን ምጭዋይ’ውን ንመላእ’ቲ ከባቢ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ።
ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?
ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሌፕዜክ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሩስያ'ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዓሪጉ'ሎ።
ጽምብል ቅዱስ ዮሓንስ ንሰላምን ራህዋን
ሎሚ ባሕቲ መስከረም፡ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ምጅማር ሓድሽ ዓመት ግእዝን እዩ። እብዛ ድርብ ዕለት ውሉደ ክህነት ነታ ዕለት ብዜማን ማህሌትን ጸናጽልን ከበሮን ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ይጽምብሉ። ኣመንቲ ክርስትና ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ነታ ዕለት ብተስፋን ፍስሓን ይቕበሉዋ።
ቻይና ምስ ግብጺ ምውጋና ንኢትዮጵያ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ እዩ?
ቻይናን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ማይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ንረብሓ ካይሮ ዘቐድም ሓባራዊ መርገጺ ኣውጺአን። እዚ ድማ ቻይና ካብቲ ዝጸንሓ ናይ ገለልተኝነት ኣካይዳ ወጺኣ ናብ ግብጺ ምዝንባላ ዘርኢ ኰይኑ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ፈጢሩላ ኣሎ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ካብ ሆርሙዝ ክሳብ ዓደን፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከመይ ኣሐይልዎም?
ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝካየድ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምዝራፍ ተግባራት ብርኡይ ወሲኹ። እዚ፡ ነቲ ድሮ ብሰንኪ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ዘሎ ጕዕዞታት ባሕሪ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
'ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ'፡ ኣንጻር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ተላዒሉ ዘሎ ሕጋዊ ማዕበል
"ተግባራት ኢንፋንቲኖ ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ እዩ"፣ "ዝተሰከሞ ሓላፍነት ብምጥላም ዝፈጸሞ ዓቢ ክድዓት"፣ "ንጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ክብል ዝፈጠሮ፡ ካብ ልዝብ ወጻኢ ዝዀነ ስምምዕ።"
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ
ብዘይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ ብምስጢር ሓመድ-ኣዳም ዝለበሰ ኣስከሬን፡ ከምኡ’ውን ሬሳ ደቆም ከይረኣዩ ባዶ ሳንዱቕ ዝቐብሩ ዘለዉ ወለዲ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሃንደበት ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ንስድራቤቶም ቅባጸት ዘይረኸበ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ይሓድገሎም ኣሎ።
ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ የመንን ቀይሕ ባሕሪን እንታይ ትብል?
ሓይሊታት ሑቲ የመን ኣብዚ እዋን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ሓያለ ከባቢታት ቀይሕባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ "ጉዳይ የመን ወተሃደራዊ መፍትሒ የብሉን፡" ብምባል ርእይቶኡ ሂቡ።
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዘጋደደ ጕዳይ ኰይኑ መጺኡ'ዩ።
'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት
ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።
ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን
ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪኡ፡ ስልጣን ዝተቘፃፀረ ኣካል- ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ሰነድ፡ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ከም ዘፅደቘ ዝተገልፀ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ወራር ህልውና ንምምካት ዝዓለመ ከም ዝዀነ እዩ ዝምጉት። መስራትን ምክትል ዳይሬክተርን ትካል 'ሁይማን ራይትስ -ፈረስት ኢትዮጵያ' ፡ በዓል-ሞያ ሕጊ ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ ነቲ ኣዋጅ ዝተቓወመሉ ምኽንያት ኣብሪሁ'ሎ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።